ኣብርሃም ሊንከን

ኣብርሃም ሊንከን

€17,99
Skip to product information
ኣብርሃም ሊንከን

ኣብርሃም ሊንከን

€17,99

ብዛዕባ ደራሲ

 

ደራሲ ስቴፋን ሎራንት፡ ኣብዛ መጽሓፍ ንዛንታ ኣብርሃም ሊንከን ብተፈታዊ ድራማዊ መልክዕ ብምውዳድ፡ መስተንክር ጽሑፍን ስእልን ታሪኽ ህይወት ከቕርብ ብምኽኣሉ ካብ ብዙሓት ወገናት ናእዳ ኣትሪፉ እዩ። ሊንከን ከም በዓል ቤት፡ ኣቦ፡ ተማሃራይን ሰራሕተኛ መንግስትን ብሓቂ ከመይ ነይሩኣብ ምሉእ እቲ ፈታኒ ዓመታት ብኸመይ እዩ ተቐይሩ፧ ነቶም ኣብ ዘመኑ ዝነበሩ ሰባት ከ ከመይ ኔሩ ንዝብል ሕቶታት ኣብዛ መጽሓፍ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ተመሊሱ ይርከብ ኣሎ። እዚ ህያው ዝኾነ መዝገብ ተዘካርን ፍሉይን ታሪኽ ህይወት ኮይኑ፡ ብዘበራብሩ ቃላት፡ ብፋክሲሚል ደብዳቤታት ሊንከን ማለት ብናይ ገዛእ ርእሱ ጽሑፍ፡ ብርቂ ሰነዳት፡ ከምኡውን ብብዝሒ ስእልታትን ዝተቐናበረ እዩ። ኣብ ጸልማት መዓልታት ሊንከንን ኣብቲ ድሙቕ ሰዓታት ዓወቱን ዝነበሩ ቀረብቱን ፈለጥቱን ገጻት ህይወትን ዕላላትን ድማ ኣብዛ መጽሓፍ እነሆ። ልቦናን ሓይልን ናይታ ዘዕበየቶ ሰይቲ-ኣቦ ውን ክግለጽ እዩ። ብተወስኺ ናይታ ኣብ ንግዲ ዓለም ንሽርክነት ዝሓተተቶ በሊሕ ኣእምሮ እትውንን ጠበቓ፡ ዝምድንኦም ክድልድል ዝሓሰብ ሊንከን ድማ ሕቶ መርዓ ድሕሪ ምቕራቡ መንጸግቲ ከምዘጋጠሞ ብዝርዝር ክግለጽ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ከምኡውን ሊንከን ኣብ ሚእቲ ዝተፈራረቐ ስምዒታት ተጸሚዱ። ኣብ ጽንኩራት እዋናትን ርጉእ ኩነታትን ዘሕለፎ መሳልል ህይወት ተርኢ። እቲ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ተቐርቂሩ ዝወሰኖ ስጉምቲታት ከኣ ዘርዚራ ትርከብ ኣላ።  

ኒውዮርክ ታይምስ ብዛዕባ እዛ ኣብ ግዚኣ 3.50 ዶላር ዝተሸጠት ሕታም ከምዚ ክብል ጽሒፉ ኣሎ፡ ብሕሱር ዋጋ ክንድዚ ዝኣክል ትምህርቲ ሓዘል መጽሓፍ ክትቅረብ ብምኽኣላ ኣድናቖቱ ብምግላጽ ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ መጻሕፍቲ ኢልዋ ይርከብ።

 

ከምዛ ኣብ ሓጺር ጽሑፍ ብሉጽት ዛንታ ትገልጽ ዘላ መጽሓፍ ኣብርሃም ሊንከን ኣብ ካልእ ቦታ ኮነ ካልእ መጽሓፍ፡ ኣይርኸብኩን። 

                    

                       ዶክተር ዳኒኤል ፖሊንግ፡ ክርስቲያን ሄራልድ

You may also like