ጄን ኤየር

ጄን ኤየር

€21,00
Skip to product information
ጄን ኤየር

ጄን ኤየር

€21,00

ጄን ኤየር ፈለማ ኣብ 1847 እያ ተሓቲማ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ እንግሊዝኛ ካብ ዝጥቀሳ ኣዝየን ፍቱዋት ዓበይቲ ልብ-ወለዳት ኮይና ኸኣ፥ ክሳብ ለይተ-ሎሚ ትቕጽል ኣላ። ደራሲታ--ሻርሎት ብሮንተ--21 ሚያዝያ 1816 እያ ኣብ ዮርክሻየር--ዓዲ-እንግሊዝ--ተወሊዳ። ኣብታ ሽዱሽተ ቆልዑ ዘፍረየት ስድራ ብሮንተ፥ ሻርሎት ሳልሰይቲ መትሎ እያ ዝነበረት። ኣብታ ካህን ኣቡኣ ዘገልግለላ ምሕድግቲ ቁሸት--ሃዎርዝ--ምስ ኣሕዋታ ዓበየት። ኣዲኦም ብህጻንነቶም እያ ዓሪፋ። ድሕሪዚ ሻርሎትን ኣሓታን መለሳ ጽምዋ እንተኾነን ብምባል፥ ናብ ዓለመ-መጻሕፍትን ምዝንታውን ኣዘንበላ ትጉሃት ኣንበብቲ ብምንባረን ብርዐን እናተሳሕለ ኸደ። ንሳን ኣሓታን (ብፍላይ ድማ ኤሚሊን ሃናን) ብስእለ ኣእምሮ ናይ ባዕለን ዓለም እናፈጠራ፥ ብዛዕባኡ ኸኣ እናጸሓፋ ናብ ብጽሕና ዓበያ፡፡ ጄን ኤየር፥ ውጽኢት ናይዚ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደ ኣስተንትኖ እያ። 

           ንእስነት ሻርሎትን ኣሕዋታን ሽግርን መስገደልን ኣይተፈልዮን። እዚ ተመኩሮኣ ን ኣተሓሳስባኣን ስነጽሑፋዊ ድምጻን ብዕምቆት ጸልዩዎ’ዩ። ጄን ኤየር ሓውሲ ባዕለ-ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ) ሻርሎት ብሮንተ ተጌራ እያ ትሕሰብ። ድኽነት፥ ደርባዊ ፍልልይን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝነበረ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባን ዓብዪ ተጽዕኖ ኣሕዲሩላ እዩ። ሻርሎት ዝነበረትሉ ግዜ፥ ብ ተመራመርቲ ስነ-ጽሑፍ “ዘመነ ቪክቶርያ” እናተባህለ’ዩ ዝጥቀስ። ኣብቲ ግዜ ደቀንስትዮ ብያታ ዝተወሰነለን ተራ ክጻወታ ጥብቂ ቊጽጽር ይግበረለን ነበረ። ሓደ ካብቶም ክቐርቦኦም ዘይሕሰቡ ዕዮታት ድማ--ጽሒፍካ ምሕታም--እዩ ዝነበረ። ስነ-ጽሑፍ ን ደቂ-ተባዕትዮ እተሓዝአ ሞያ እዩ ኔሩ። ስለዚ ድማ’የን ሻርሎትን ኣሓታን ስም-ብርዒ ደቂተባዕትዮ እናተጠቕማ መጻሕፍተን ዘሕተማኦ። ጄን ኤየር ቴማታት ኣንስታዊነት ዝደረኻ መጽሓፍ እያ። ግደ ሓቂ----ፈላሚት ኣንስታዊት ዓባይ ልቢወለድ “ዘመነ ቪክቶርያ” ምዃና ብዙሓት ኣስተማቐርቲ ስነ-ጽሑፍ ይሰማምዑ። ብውሕሉል ጥበብን ቀዳማይ ኣካል ትረኻን ኣቢላ ኸኣ ሞራላውን ስምዒታውን ዕቤት ጓለንስተይቲ ዘመና ክንድህስስ ጌራትና’ላ። ናብ ብዙሓት ፊልምታት እውን ተሰሪሓ’ላ።       

ጄን ኤየር ዛንታ ስዒርካ ምውጻእ እያ። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ጨቋኒ ሕብረተሰብ ክብራን ሞራላዊ ናጽነታን ከተረጋግጽ እትገብሮ ጻዕሪ ብብሉጽ ስነጽሑፋዊ ጥበብ ተዘንትዩ’ሎ ። ዘይከም ብዙሓት ደቀንስትዮ ገጸ ባህርያት እቲ ዘመን፥ ጄን--ናጻ፥ ዘይትጸዓድ፥ በላሕን በዓልቲ መትከልን እያ። ኣብ ህይወት፥ ኣብ ትሕቲ ዝጸንከረ እዋን’ውን፥ ሓርነትን ውክልናን ክህልወና ከም ዝኽእል ከኣ ኣረጋጊጻ’ያ።

You may also like