Skip to product information
ታሪኽ ህይወት ቦብ ማርሊ - ትርጉም፦ ሊድያ ክብሮም
€17,99
ግሪንውድ፡ ንካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርትን ህዝባዊ ቤት-ንባብን ዝሕግዝ ብምባል፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ታሪኽ ህይወት ሰኒዳ ትርከብ። እዞም ኣብ ግሪንውድ፡ ብምኲራትን ፕሮፌሰራትን ዝተዳለው ናይ ታሪኽ-ህይወት ተኸታተልቲ ንባባት ድማ፡ ብፍላይ ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከም መወከሲ ክጥቀምሎም ዝሕግዝ እዩ። እዚ መጽሓፍ፡ ብዓይነት ኣቀራርባኡ ንመማህራንን ተማሃሮን ብዝጥዕም ኣገባብ ቀሪቡ ኣሎ።
ግሪንውድ፡ ዘቕርቦ ዛዕባታት ታሪኽ-ህይወት፡ ሰፊሕ ዓውድታት ዝሓዘ እዩ። ከም ማሕበራዊ መጽናዕቲ፡ ሳይንስ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ጥበብ፡ ታሪኽ፡ ፖለቲካ፡ ህቡብ ባህልታትን ውልቃዊ ጉዳያትን ኣብ ዓለምና ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ጽልዋ ናይ ዝገበሩ የቕርብ። እቶም ፍጻመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናትን ቦታታትን ዘጋጠሙ ክዀኑ ይኽእሉ። ኣንበብቲ ሰፊሕ ትሕዝቶታት ዘለዎም መጽሓፍቲ ከም ናይ ማርገሬት.ሚድ፡ ስቴፈን ሃውኪንግ ብሉጽ ዛንታታት ዘዳለወት ጄይ.ኬይ ሮውሊን ረኺቦም ከንብቡ ይኽእሉ።